ዓርቢ፣ 28 ለካቲት 2025 ሰዓት 12:47:45 ድ.ቀ.
እዘን ባንዴራ ኣዘርባዣን ዝሰቐላ ሲ-ኤም-ኤስ ፓህላቫን፡ ሲ-ኤም-ኤስ ኢጊድን ሲ-ኤም-ኤስ-3ን ዝብሃላ መራኽብ ብሓደ ኣገልግሎት ባሕሪ ካስፒያን ቢ-ቪ (Caspian Marine Services B.V.) ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል መጓዓዝያ ባሕሪ ዝመሓደራ እየን።
ዓርቢ፣ 28 ለካቲት 2025 ሰዓት 4:24:11 ቅ.ቀ.
እቲ ካብ ህዝቢ ሶማልያ ከይተረፈ፡ ብዝተፈላለየ መልክዑ ዝግለጽ ተሪር ቅሬታ ክቐርበሉ ዝጸንሐ ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣደን ዓደ ቅድሚ ምብጽሑ ኣብ ከባቢ ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ሞርታራት ከም ዝዓለበ ማዕከናት ዜና ሶማልያ ገሊጸን።
ዓርቢ፣ 28 ለካቲት 2025 ሰዓት 9:00:58 ቅ.ቀ.
ራብዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2025: ጆሪስ ዴልቦቭ ኣብ ዝተዓወተሉ ሄኖክ ሳልሳይ ወጺኡ።
ዓርቢ፣ 28 ለካቲት 2025 ሰዓት 5:56:03 ቅ.ቀ.
ወለዱ ንዝሓመመ ዘመድ ክንበጽሕ ብዝብል ናብ ኣፍሪቃ ክኸይድ ከም ዘታለልዎ'ዩ ንቤት ፍርዲ ገሊጹ። ናብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ከም ዝለኣኽ ኣቐዲመ ምፈለጥኩ "ዝሰማማዓሉ መንገዲ ኣይምሃለወን" ኢሉ።
ዓርቢ፣ 28 ለካቲት 2025 ሰዓት 6:34:46 ቅ.ቀ.
ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ገና ዘለንስኪ 'ውልቀ-መላኺ' ኰይኑ ይስምዓካ ድዩ ኢሉ ብዝተሓተ ከኣ፡ "ከምኡ ኢለ ድየ? ከምኡ ከም ዝበልኩ ክኣምን ኣይከኣልኩን፡" ክብል መሊሱ።
ረቡዕ፣ 26 ለካቲት 2025 ሰዓት 8:08:47 ድ.ቀ.
ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሚኒስተር መስኖን ቆላታትን ዝኾነ ዶ/ር ኣብራሃም በላይ ብረቡዕ ምስ መንግስታዊ ተለቪዥን ፋና ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት'ውን ፖለቲከኛታት ትግራይ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ርክብ የካይዱ ከምዘለዉ ተዛሪቡ'ሎ።
ዓርቢ፣ 28 ለካቲት 2025 ሰዓት 5:33:19 ቅ.ቀ.
ንህጻናትን ቈልዑን ግዳይ ዓመጽ ዝገብር ወሲባዊ ቪድዮታትን ስእልታትን ኣብ መርበባት ኢንተርነትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን፡ ከምኡ'ውን ኣእዳውን ኮምፕዩተራትን ዝዀነ ውልቀሰብ ከይኣቱን ከይዝርጋሕን ሓያል ጻዕርታት ክግበር ጸኒሑ'ሎ።
ዓርቢ፣ 21 ለካቲት 2025 ሰዓት 4:56:31 ቅ.ቀ.
ንምእታውን ምውጻእን ምንቅስቓስ ዜጋታት ዝምልከት ብመልክዕ "መምርሒታት" ዝወጽእ ኰይኑ፡ በቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓየለ ዝመጽአ ህዝባዊ ምምሕዳራት ኣቢሉ እዩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝርአ። ብእኩብ መንገዲ ዝንገር ዘይኰነ ከኣ በብጉዳይካ ምስ ከድካ ትፈልጦ ምዃኑ ብዙሓት መረረኦም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ሓሙስ፣ 27 ለካቲት 2025 ሰዓት 10:28:04 ቅ.ቀ.
እዚ ወርሒ እዚ ንኦርቶዶክሳውያን ክርስትያንን ኣስላምን ቀንዲ ምጅማር ዓበይ ጾም እዩ። ኣመንቲ ኦርቶዶክሳውያን ኣብዚ ሰሙን እዚ ጾም ክጅምሩ እንከለዉ፡ ኣመንቲ ኣስላም ድማ፡ ብመሰረት እስላማዊ [ዑደት ወርሒ ዝኽተል] ዓውደ ኣዋርሕ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ክጅምሩ ትጽቢት ይግበር።
ሓሙስ፣ 27 ለካቲት 2025 ሰዓት 12:53:32 ድ.ቀ.
ንመሬት ዓዶም ከም ከብዲ እግሮም ዝፈለጥዎ ርዋንዳውያን ግን ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይውዓሉን። ሃገራዊት ጋንታ ርዋንዳ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ምስ ናይ ዝሓለፈ ዙራት ብምንጽጻር ዝሓሸ ብቕዓት ሒዛ'ያ ቐሪባ ኢልካ ኣፍካ መሊእካ ክትዛረበላ ትኽእል ኢኻ።
ሓሙስ፣ 27 ለካቲት 2025 ሰዓት 6:14:18 ቅ.ቀ.
"ሕብረት ኤውሮጳ ንኣመሪካ ንምግጣም እዩ ተመስሪቱ - ዕላምኡ ንሱ'ዩ። ጽቡቕ ስራሕ ድማ ሰሪሖምሉ፡" ኢሉ። "ሕጂ ግን ፕረዚደንት ኰይነ ኣለኹ።"
ሓሙስ፣ 27 ለካቲት 2025 ሰዓት 5:46:26 ቅ.ቀ.
ክሳዕ ንውለድ ኣብ ዘለዋ ኣስታት 40 ሰሙናት፡ ኣካላትና ኣብ ማህጸን እንከሎ ዝገብሮም ዘይተለምዱ ነገራት ኣለዉ።
ሓሙስ፣ 27 ለካቲት 2025 ሰዓት 6:28:19 ቅ.ቀ.
ዩክረይን ናብ ኔቶ ምጽንባር ዝብል ሕልሚ፡ "ክትርስዖ" ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ እቲ ጉዳይ ሓደ ካብቲ ናብ ኲናት ዝደረኹ ረቛሒታት እዩ ዝብል ብሩስያ ዝቐርብ መመኽነይታ፡ ትራምፕ ደጊሙ ኣጋዊሑዎ።
ረቡዕ፣ 26 ለካቲት 2025 ሰዓት 2:14:59 ድ.ቀ.
ዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓደ ካብቶም ዝሞቱ ግዳያት ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ'ሎ። ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ዳዕመ-ኣልሰሪዕ ብሰኑይ ንሓንቲ ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣብ ደቡብ ዳርፉር ሃሪሞም ከምዘውደቕዋ ገሊጾም ነይሮም'ዮም።
ረቡዕ፣ 26 ለካቲት 2025 ሰዓት 12:44:31 ድ.ቀ.
ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ዓወት ክብሮም መበል 16፡ ብሰንኪ ትማሊ ዘጋጠሞ መውደቕቲ ሎሚ ምስ ቁስሉ ናብ ጸወታ ዝኣተወ ዳዊት የማነ መበል 17፡ ዓወት ኣማን መበል 19፡ ናሆም ዘርኣይ መብ 19፡ ናታን መድሃኔ 22 መትከል እዮብ 28 ያፌት ሙሉጌታ ከኣ መበል 33 ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም ኣለዉ። ካብ ኢትዮጵያውያን ኣማንኤል ደስታ ብ20 ካልኢት ድሒሩ መበል 20 ብዛይ ተስፉ ድማ ብ22 ካልኢት ድሒሩ መበል 22 ተርታ ሒዞም ነይሮም።
ረቡዕ፣ 26 ለካቲት 2025 ሰዓት 8:30:26 ቅ.ቀ.
እዚ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ 15 ደቓይቕ ብኣለይቲ ደሃይን ምክትታልን ክግበረሉ ዝግባእ ኰይኑ፡ እቲ ተገሊጹ ዝነበረ ደረጃ 2 ዝበሃል ምእካብ ትዕዝብቲ ድሕሪ ቀትሪ ከም ዘይተኻየደ ንዳያኑ ተነጊሩዎም።
ረቡዕ፣ 26 ለካቲት 2025 ሰዓት 7:37:28 ቅ.ቀ.
ትራምፕ፡ "እቲ ገንዘብ ክንመልሶ ንደሊ ኢና፡" ኢሉ። "ነታ ሃገር ኣብ ጸገማ ንሕግዛ ኣለና። እንተዀነ ሕጂ፡ ከፈልቲ ግብሪ ኣመሪካውያን ገንዘቦም ክምለሰሎም ኣለዎ።"
ረቡዕ፣ 22 ጥሪ 2025 ሰዓት 5:26:02 ቅ.ቀ.
ገለ ካብኡ ብኣድማ ተጋደልቲ ዝፍለጥ፡ ተቓውሞ 20 ግንቦት 1993፣ ተቓውሞ ስንኩላን ኲናት - ሓምለ 1994፡ ሕቶ ለውጢ ጕጅለ 15 ኣብ - ነሓሰ 2001፡ ሕቶ ለውጢ ወዲ ዓሊን ብጾቱን - 21 ጥሪ 2013፡ ተቓውሞ ኣንጻር ምህጋር ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ - ጥቅምቲ 2017 እናተባህለ ክግለጽ ይከኣል።
ረቡዕ፣ 12 ለካቲት 2025 ሰዓት 5:29:23 ቅ.ቀ.
እቶም ቅድሚ ሕጂ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣትዮም፡ ዜግነት ክውሃቡ ሕቶ ዘቕረቡ'ውን ሕቶኦም ካብታ ዘመልከቱላ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት ክርአ ከምዝጅምር ኣብዚ ሓድሽ ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ። እዚ ማለት ኣብ ጥሪ 2025 ዜግነት ክውሃቡ ሕቶ ዘቕረቡ፡ ጉዳዮም ካብ ጥሪ 2035 ጀሚሩ ክረአ ክጅምር።
ሰኑይ፣ 6 ጥሪ 2025 ሰዓት 4:33:12 ቅ.ቀ.
እቲ ህዝቢ፡ ዘይጽወር ጸይሩ፡ መሪር ስቓይ ተጻዊሩ፡ ብከቢድ መስዋእቲ ዝረኸቦ ናጽነት፡ "ደጊም ስቓይና ተወዲኡ እዩ!" ብምባል፡ ርሁው መጻኢ እናሓለመ፡ ብድሙቕ ፍሽኽታን ሓጐስን'ዩ ዝጽምብሎ ነይሩ። ግን እቲ ሽዑ ዝነበረ ተስፋን ሕልምን፡ ሕጂ ድሕሪ 33 ዓመት ናጽነት ከመይ ኣሎ? እዚ ጽሑፍ'ዚ፡ ንትጽቢትን ክውንነትን ጕዕዞ ሓድሽ ልደት ኤርትራን ውጽኢቱን ክግምግም እዩ።
ሰሉስ፣ 10 ታሕሳስ 2024 ሰዓት 4:07:15 ቅ.ቀ.
ኣብ ዓለምና ካብቲ ሕብረተሰብ ዝምድቦ ክልተኣዊ ጾታዊ ፍጥረት (ጓል ኣንስተይቲን ወዲ ተባዕታይን) ወጻኢ፡ ብልዕቲ ክልቲኡ ጾታ ሒዞም ዝውለዱ ሰባት፡ 1.9 ሚኢታዊት ብዝሒ ኣለዎም። ንሳቶም ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ይዅን ካልእ ክፍለ ዓለም ንከቢድ ጸለመን ተነጽሎን ዝተቓልዑ’ዮም።
ረቡዕ፣ 23 ጥቅምቲ 2024 ሰዓት 5:34:59 ቅ.ቀ.
ኣሰላልፋ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንፈት ቀይሩ ናብ ሓድሽ ወጥሪ ኣምሪሑ። እቲ ሓደ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ወጥሪ ክኸውን ከሎ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ መንጐ ግብጽን ኢትዮጵያን ዝረአ ዘሎ እዩ። ኤርትራን ግብጽን ሶማልያን ሓድሽ ኪዳን ክምስርታ እንከለዋ፡ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ 2024 ብዝተፈራረማኦ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ሓደ ቀጽሪ ከምዘለዋ ይርአ ኣሎ።
ሰንበት፣ 23 ለካቲት 2025 ሰዓት 5:09:53 ቅ.ቀ.
ኣብ ከረን፡ ኢዮሩሳሌም፡ ሮማ፡ ፓሪስ. . . ኰይኖም ዝጸሓፉዎ 46 ምርምራዊ ጽሑፋት ኣበርኪቶም ኣለዉ። ነቲ ንኤውሮጳ ማእከል ዝገበረ ርእዮተ-ዓለም ናብ ምድረ-ሓበሻ ንምእታው ዝግበር ዝነበረ ፈተነታት ብርድኢት ደው ኢሎም ዝመጐቱ፡ ክብርታት ሕብረተሰቦም ንኻልኦት ዘፍለጡን ዋጋ ዝኸፈልሉን እዮም። ካብዛ ዓለም ካብ ዝፍለዩ 83 ዓመት ኣቝጺሮም ኣለዉ - ብዙሕ ሰብ ግን ስሞም እኳ ሰሚዑዎ ኣይፈልጥን።
ሰኑይ፣ 30 መስከረም 2024 ሰዓት 6:42:02 ቅ.ቀ.
ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ንመወዳእታ ግዜኡ ካብ ዝእከብ፡ ዝሓለፈ 28 መስከረም ሽዱሽተ ዓመት መሊኡ ኣሎ። ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኣበይ ኣተወ? ስለምንታይ’ዩ “ደስኪሉ”? ኣባላቱ ዝዀኑ ሚኒስተራትን ዝመርሕወን ሚኒስትሪታትን’ከ ኣብ ምንታይ ኵነታት ኣለው? ዝብሉ ሕቶታት ከልዕሉ ጸኒሖም ኣለዉ።
ረቡዕ፣ 28 ለካቲት 2024 ሰዓት 4:44:11 ቅ.ቀ.
ኣብ ትግራይ ኣብ ስርሓት ኢደ ጥበብ ዝተዋፈሩ ሰባት ‘ሰብ ዝቐትሉ ቡዳታት እዮም’ ብዝብል ባህላዊ እምነት ኣደዳ ግፍዕን ሞትን ምክልባትን ከም ዝዀኑ ይገልጹ። እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝበጽሕ በደላት እናሓመቐን እናወሰኸን ምኻዱ ዝገልጽ ማሕበር ኢደ ጥበበኛታት ትግራይ፡ ካብ ምዝንባል፣ ጸለመን ምፍርራሕን ብዝሰገረ ክሳብ ቅትለት ዝበጽሕ ምዃኑ የረድእ።
ረቡዕ፣ 9 ጥቅምቲ 2024 ሰዓት 3:56:13 ቅ.ቀ.
ነቲ ዅሉ ጕዕዞ ህይወቱ እተዘንቱ፡ ብዙሕ ጻዕሪን ወኸሳታት ካብ ዑስማን ጀሚርካ ዝተፈላለዩ ሰባትን ሰነዳትን ዝተገብረላ መጽሓፍ ታሪኽ ህይወቱ ድማ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተሓቲማ ናብ ህዝቢ ክትዝርጋሕ ምዃና ኣዳለውታ ንቢቢሲ ገሊጾም ኣለዉ።
ዓርቢ፣ 16 ነሓሰ 2024 ሰዓት 4:49:18 ቅ.ቀ.
ህወሓት ቅልውላው ከጋጥሞ እዚ ናይ መጀመርታ ግዜ ኣይኰነን። እቲ ውድብ ኣብ ታሪኹ ካብ በረኻ ደደቢት ክሳዕ ኣራት ኪሎ ዝቐጸሉ ዝተፈላለዩ ውደባዊ ቅልውላዋት ከምዘጋጠምዎ ይፍለጥ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክልተ መራሕቲ ህወሓት ነበር፡ እቲ ውድብ ንተደጋጋሚ ቅልውላዋት ዝቃላዕ ዘሎ "ካብቲ ዝኽተሎ ፖለቲካን ስነ-ሓሳብን ዝምንጩ'ዩ" ይብሉ።
ዓርቢ፣ 24 ጉንበት 2024 ሰዓት 5:20:00 ቅ.ቀ.
ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተቓውሞኦም ከስምዑ ዘይክእሉ ብኣካይዳን ምሕዳራን መንግስቶም ተስፋ ዝቘረጹ ኤርትራውያን፡ ነቲ ቅድሚ 33 ዓመት እታ ሃገር ናጻ ዝወጸትሉ መዓልቲ ንምዝካር ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝካየዱ መደባት ተቓውሞ ኣብ ዘካይዱሉ፡ ዓመጽ ዝመልኦ ግጭት ከይፍጠርን ጸኒሑ እዩ።
ሰሉስ፣ 9 ሓምለ 2024 ሰዓት 4:17:48 ቅ.ቀ.
ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዘሎ ጭውያ፡ ቅትለትን ጾታዊ መጥቃዕቲን ኣሰካፊ ደረጃኡ ከምዝበጽሐ ስድራ ግዳያትን ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ይገልጹ ኣለው። ኣብ መቐለ ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ቅትለት መንእሰይ ዘውዱ ሃፍቱ ሓዊሱ ቅትለት ኣስታት 12 ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘጋጠመ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ንቢቢሲ ኣፍሊጡ።
ረቡዕ፣ 26 ለካቲት 2025 ሰዓት 6:29:50 ቅ.ቀ.
ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ዓለም፡ ፈተነ ነብሰ ቅትለት ከም ገበናዊ ተግባር ዘይኮነስ ከም ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ዝቑጸር ኮይኑ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ድማ ብገበን ዘሕትትን መቕጻዕቲ ዘኸትልን እዩ።
ሰሉስ፣ 25 ለካቲት 2025 ሰዓት 8:23:12 ቅ.ቀ.
ሓይልታት ዳዕመ ኣ'ሰሪዕ ምስ ናይ ፖለቲካውን ዕጡቓትን መሻርኽቶም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ኣብ ዝርከባ ከባቢታት ጐድናዊ መንግስቲ ንምቛም ፖለቲካዊ ቻርተር ፈሪሞም።
ሰሉስ፣ 25 ለካቲት 2025 ሰዓት 4:22:31 ቅ.ቀ.
ብፍላይ ኣብቲ ምስ ቻንስለር ጀርመን-ነበር ኣንገላ መርከል ዝነበሮ ውሽጣዊ ንሕንሕ ብተደጋጋሚ ተሳዒሩ ነይሩ። ተስፋ ቀቢፁ፡ ካብ ፖለቲካ ክርሕቕ'ውን ውሲኑ ነይሩ። እቲ ክልተ ሰለስተ ግዜ ስዕረት ዝጠዓመ መርዝ፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ባይቶ ወጺኡ ናብ ስራሕ ዓለም ኣቢሉ፡ ካብ ፖለቲካ ፈጺሙ ተረሲዑ፡ 'ኣኺሉዎ ናይ ትማሊ ሰብ' ተባሂሉ'ውን ነይሩ።
ቀዳም፣ 22 ለካቲት 2025 ሰዓት 8:48:52 ቅ.ቀ.
እዚ 'ማጆራ 1' ተባሂሉ ዘሎ ምህዞ ነቲ ዝሕለም ዘሎ ዘይተኣደነ ግድላት ዓለም ኣብ ሓጺር ህሞት ክፈትሕ ትጽቢት ዝግበረሉ 'ኳንተም ኮምፕዩተር' ንምስራሕ ወሳኒ ግደ ዘለዎ'ዩ። ከምዚኦም ዝበሉ ኳንተም ኮምፕዩተራት ንምስራሕ ዓሰርተታት ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእል'ዩ ክንገር ጸኒሑ።
ረቡዕ፣ 19 ለካቲት 2025 ሰዓት 4:33:02 ቅ.ቀ.
ልኡኻት ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕን ሩስያዊ መዘናኡ ቭላድሚር ፑቲንን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተራኺቦም ኣለዉ፤ መራሕቲ ኤውሮጳ ድማ ኣብ ፈረንሳ- ፓሪስ ተራኺቦም። ትራምፕን ፑቲንን'ውን ኣብ ቀረባ ኣብ ሪያድ ክራኸቡ ምዃኖም ይግለጽ።
ሰሉስ፣ 18 ለካቲት 2025 ሰዓት 8:11:24 ቅ.ቀ.
ግብጽን ብዙሓት ሃገራት ዓረብን ንቓዛ ዳግማይ ንምህናጽ ሃቐነታት የርእያ ኣለዋ፡ እዚ ከኣ ፍሊስጤማውያን ነበርቲ ቓዛ ካብቲ ቦታ ከይተፈናቐሉ ኣብ ቦትኦም ንኽጸንሑ'ዩ፤ እንተኰነ እቲ ቦታ ካብ ሓማስ ነጻ ክኸውን ከኣ ይደልያ'የን። እዚ ነቲ ዶናልድ ትራምፕ ንፍሊስጤማውያን ነበርቲ ቓዛ ናብ ግብጺ፡ ዮርዳኖስ ካልኦት ሃገራት ኣዕራብን ኣግዒዙ ነቲ ቦታ ናይ ምቁጽጻር መደብ ከምዘለዎ ምስ ገለጸ፡ ከም ግብረ መልሲ ዝተወሰደ ስጉምቲ'ዩ።
ሰኑይ፣ 17 ለካቲት 2025 ሰዓት 5:54:12 ቅ.ቀ.
ምምሕዳር ትራምፕ ምስ መሻርኽቲ ኤውሮጳ ንዘሎ ዝምድናታት ይዅን ምክልኻሎም ቀዳምነት ይህብ ከም ዘሎ ዘንጊዖም ዝተገንዘቡ ይመስሉ -ምናልባት ኣዝዩ ዘፍርሕ ግን ከኣ ምሉእ ንምሉእ ዘይተጸበናዮ ኣይኰነን። ኤውሮጳ ካብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ጀሚራ፡ ጽግዕተኛ ሓገዛት ጸጥታ ኣመሪካ ኰይና እያ ጸኒሓ።
ሰኑይ፣ 17 ለካቲት 2025 ሰዓት 5:15:18 ቅ.ቀ.
ሶርያዊ ኣሕመድ ኣልሻራ፡ ካብቶም ኣሸበርቲ ተባሂሎም ዝተሰምዩ ግን ከኣ ሕጂ ከም ሕጋውያን ፖለቲካዊ መራሕቲ ዝሕሰቡ ዘለዉ መራሕቲ እዩ።
ሰንበት፣ 16 ለካቲት 2025 ሰዓት 5:18:13 ቅ.ቀ.
መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ገይሮም መሪጾም። ንሱ፡ ካብ 2005 ጀሚሩ ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ኰይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ፤ እዚ ድማ ኣብታ ኣህጕር ሚኒስትሪ ጕዳይ ወጻኢ ኰይኑ ንሓያለ ዓመታት ዘገልገለ መራሒ ይገብሮ።
ቀዳም፣ 15 ለካቲት 2025 ሰዓት 9:02:26 ቅ.ቀ.
ኣቦ መንበር ኮሚሽን እቲ ሕብረት መደበሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ካብ ሓላፍነቱ ዝረኽቦ ስምን ዝናን፡ ብዝሰርሖ ስራሕ ካብቲ ማሕበር ንገዛእ ርእሱን ንስድርኡን ዝተፈላለየ ረብሓታት ይረክብ።
ሰሉስ፣ 11 ለካቲት 2025 ሰዓት 4:33:38 ቅ.ቀ.
ማኪንጋ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ልዑል ስትራተጂካዊ ክእለትን ኣብ ውግእ ዓበይቲ ጕጅለታት ወተሃደራት ብምእዛዝን ምኵር ከም ዝዀነ ኣመስኪሩ'ዩ፤ በዚ ዝና'ውን ረኺቡ።
ሰኑይ፣ 10 ለካቲት 2025 ሰዓት 4:23:17 ቅ.ቀ.
እታ ቅድሚ 35 ዓመታት ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍላ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ድሕሪ ናጽነት እንታይ ለውጢ ኣርእያ? ማዕቢላ'ዶ ኣይማዕበለትን? ካብቲ ዝነበረቶ ማዕረ ክንደይ ሰጒማ? ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን እዩ። ቅድሚኡ ግን ዛንታ ወደባዊት ከተማ ባጽዕን ዕቝር ዓቕማን ምድህሳስ ኣገዳሲ እዩ።
ዓርቢ፣ 28 ለካቲት 2025 ሰዓት 12:47:45 ድ.ቀ.
እዘን ባንዴራ ኣዘርባዣን ዝሰቐላ ሲ-ኤም-ኤስ ፓህላቫን፡ ሲ-ኤም-ኤስ ኢጊድን ሲ-ኤም-ኤስ-3ን ዝብሃላ መራኽብ ብሓደ ኣገልግሎት ባሕሪ ካስፒያን ቢ-ቪ (Caspian Marine Services B.V.) ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል መጓዓዝያ ባሕሪ ዝመሓደራ እየን።
ዓርቢ፣ 28 ለካቲት 2025 ሰዓት 5:56:03 ቅ.ቀ.
ወለዱ ንዝሓመመ ዘመድ ክንበጽሕ ብዝብል ናብ ኣፍሪቃ ክኸይድ ከም ዘታለልዎ'ዩ ንቤት ፍርዲ ገሊጹ። ናብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ከም ዝለኣኽ ኣቐዲመ ምፈለጥኩ "ዝሰማማዓሉ መንገዲ ኣይምሃለወን" ኢሉ።
ሓሙስ፣ 27 ለካቲት 2025 ሰዓት 12:53:32 ድ.ቀ.
ንመሬት ዓዶም ከም ከብዲ እግሮም ዝፈለጥዎ ርዋንዳውያን ግን ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይውዓሉን። ሃገራዊት ጋንታ ርዋንዳ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ምስ ናይ ዝሓለፈ ዙራት ብምንጽጻር ዝሓሸ ብቕዓት ሒዛ'ያ ቐሪባ ኢልካ ኣፍካ መሊእካ ክትዛረበላ ትኽእል ኢኻ።
ረቡዕ፣ 26 ለካቲት 2025 ሰዓት 8:08:47 ድ.ቀ.
ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሚኒስተር መስኖን ቆላታትን ዝኾነ ዶ/ር ኣብራሃም በላይ ብረቡዕ ምስ መንግስታዊ ተለቪዥን ፋና ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት'ውን ፖለቲከኛታት ትግራይ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ርክብ የካይዱ ከምዘለዉ ተዛሪቡ'ሎ።
ሰሉስ፣ 25 ለካቲት 2025 ሰዓት 5:14:08 ቅ.ቀ.
ካብ 2020 ክሳብ 2023ን ኣብ ኬንያ ኣስታት 16 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ሻምብቈታት ማህጸነን ክዕጾ ከም ዝገበራ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና የመልክት።
ሰሉስ፣ 25 ለካቲት 2025 ሰዓት 4:22:31 ቅ.ቀ.
ብፍላይ ኣብቲ ምስ ቻንስለር ጀርመን-ነበር ኣንገላ መርከል ዝነበሮ ውሽጣዊ ንሕንሕ ብተደጋጋሚ ተሳዒሩ ነይሩ። ተስፋ ቀቢፁ፡ ካብ ፖለቲካ ክርሕቕ'ውን ውሲኑ ነይሩ። እቲ ክልተ ሰለስተ ግዜ ስዕረት ዝጠዓመ መርዝ፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ባይቶ ወጺኡ ናብ ስራሕ ዓለም ኣቢሉ፡ ካብ ፖለቲካ ፈጺሙ ተረሲዑ፡ 'ኣኺሉዎ ናይ ትማሊ ሰብ' ተባሂሉ'ውን ነይሩ።
ሰኑይ፣ 24 ለካቲት 2025 ሰዓት 4:20:43 ቅ.ቀ.
ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ፡ ብተኸታታሊ ናብ እስራኤል ኣብ ዝተወስድሉ እዋን ኣቬራ ምስ ወለዱን ኣሕዋቱን ናብ እስራኤል ክኸይድ እንከሎ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት እዩ ነይሩ።
ሰንበት፣ 23 ለካቲት 2025 ሰዓት 5:59:48 ቅ.ቀ.
ብ2015 ዓ.ም [ኣ.ኤ]፡ ዋና ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ዎልቨርሃምፕተን ዋንደርደርስን ኣቦ መንበር ፎሱን ኢንተርናሽናል ኩባንያ ጉዎ ጉዋንግቸንግን ሓዊሱ ሓሙሽተ ቢልየናት ተሰዊሮም ነይሮም።
ዓርቢ፣ 21 ለካቲት 2025 ሰዓት 4:56:31 ቅ.ቀ.
ንምእታውን ምውጻእን ምንቅስቓስ ዜጋታት ዝምልከት ብመልክዕ "መምርሒታት" ዝወጽእ ኰይኑ፡ በቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓየለ ዝመጽአ ህዝባዊ ምምሕዳራት ኣቢሉ እዩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝርአ። ብእኩብ መንገዲ ዝንገር ዘይኰነ ከኣ በብጉዳይካ ምስ ከድካ ትፈልጦ ምዃኑ ብዙሓት መረረኦም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ሓሙስ፣ 20 ለካቲት 2025 ሰዓት 8:01:33 ቅ.ቀ.
መካነ መቓብር፡ ንደቂ ሰብ ብዙሕ ነገራት ስለዘዘኻኽሮም ጥራይ ዘይኰነ፡ ሬሳ መዋትያን ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ዝረኽበሉ መካን ስለዝዀነ፡ ብንቡር ክትበጽሖ'ውን ዝድፈር ኣይኰነን። በዚ ድማ እዩ ካብ መቓብር ዝግበር ስርቂ ብዙሕ ግዜ ዘዛርብን፡ ሕሉፍ ነውሪ ዝቝጸርን።
ሓሙስ፣ 20 ለካቲት 2025 ሰዓት 6:01:24 ቅ.ቀ.
ሰበ ስልጣን ዩክረይን፡ ኣካል እቲ ብሰሉስ ኣብ ሪያድ ክካየድ ዝጀመረ ዝርርብ ኣመሪካን ሩስያን ብዘይምዃኖም ዕጉባት ኣይኰኑን። ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድማ ዩክረይን ነቲ ምስ ሩስያ ዝኣተወቶ ኲናት ተሓታቲት ምዃና ክኸስስ ተሰሚዑ ኣሎ።
ረቡዕ፣ 19 ለካቲት 2025 ሰዓት 7:44:51 ቅ.ቀ.
ቤት-ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ብ12 ነሓሰ 2021 ኣብ ከተማ ኮቨንትሪ ኣብ ዝርከብ ትካል ጥዕና ኣእምሮ፡ ባዕሉ ህይወቱ ከም ዘጥፍአ ዝተገልጸ ሄኖክ ዛይድ ገብረስላሴ ንኣማውታኡ ዝምልከት መርትዖታት ሰሚዑ።